Skip navigation

Share with social media sites email this page print this page

ጀምሩ

diverse group of students showing their approval

ኮሌጃት ኮምን ተክኒክን፡ ንዝኾነ እኹል ተማሃራይ ይቕበላ እየን

ኽፉት ማዕጾ ትምህርቲ

“ኽፉት ማዕጾ”፡ እዘን ኮሌጃት’ዚኤን፡ ነቶም ኣብ ኵሉ ደረጃታት ትምህርቲ ዝርከቡ ሰባት ዚኸውን ትምህርትታትን ኣገልግሎታት ተማሃሮን ይሃባ’የን ማለት እዩ። ቦታ ንምርካብ ዚውሃብ ፈተና (placement test)፡ ነቲ ንኽትወስድዎ ድልዋት ዘለኽምዎ ዓይነት ትምህርቲ ንስኹም ይኹን ኮሌጅ ንኽትመርጹ ይሕግዘኩም።

እትምሃሩላ ኮሌጅ ርኸቡ

ኣብ ከባቢኹም እትምሃሩላ ኮሌጅ ንኽትረኽቡ፡ ንመሳለጢ ምንዳይ ኮሌጅ (college Search) ተጠቐሙ። ብመልክዕ ቦታን ፕሮግራማት ትምህርትን ድማ ንኮሌጅ ኸተናድዩ ትኽእሉ ኢኹም።

ምርጫኹም ዚኾነት ኮሌጅ ንዚርከብ መሳልል ምዝገባ (enrollment steps) ተኸተሉ።

ከም ንጽህና ስኒ ወይ ነርስ ዝኣመሰሉ ሓደ ሓደ ናይ ዲግሪ ፕሮግራማት፡ ንዕኡ ተባሂሉ ዚተዳለወ ናይ መእተዊ መምዘኒታት ወይ ዝርዝር ኣስማት ተጸበይቲ ኣለዎ። ሓደ ሓደ ተማሃሮ ድማ — ልዑል ትምህርቲ ዚወስዱ ተማሃሮ (Running Start) ወይ ድማ ቪዛ ተማሃራይ ዘለዎም ተማሃሮ ወጻኢ — ዝተፈላለየ መመልከቲታት ኽመልኡ ኣለዎም።

I-BEST፥ ንስራሕ ምስ ዜድሊ ስልጠና ተጸንቢሩ ዚውሃብ ትምህርቲ እንግሊዝኛ ከም ካልኣይ ቛንቋ (ESL)

መብዛሕተን ኮሌጃት፡ I-BEST (ስልጠና ዝተዋሃሃደ መሰረታዊ ትምህርትን ስልጠና ሞያዊ ክእለትን) ተባሂሉ ዚጽዋዕ ፕሮግራም ይህባ እየን። እዚ ፕሮግራም’ዚ፡ ንስራሕ ምስ ዜድሊ ስልጠና ተጸንቢሩ ዚውሃብ ትምህርቲ እንግሊዝኛ ከም ካልኣይ ቛንቋ ብሓደ ዚተጠርነፈ እዩ፣ ስለዚ ድማ ተማሃሮ፡ ንዘለዎም ክእለት ቛንቋ እንግሊዝኛን ሞያዊ ክእለት ስራሕን ብሓደ ንኸመሓይሹ ይኽእሉ።

I-BEST፡ ንመሰረታዊ ትምህርቲ ዓበይቲ ሰባት (Adult Basic Education (ABE)) ከምኡውን ንስራሕ ዜድሊ ስልጠና ብሓደ ዚጠርነፈ እዩ። ብዛዕባ ፕሮግራማት I-BEST ነታ ኣብ ከባቢኹም ዘላ ኮሌጅ ሕተቱ።

ኽፍሊት ትምህርቲ ኮሌጅ

እታ ኣብ ከባቢኹም ዘላ ኮሌጅ፡ እቶም ብቑዓት ተማሃሮ፡ ትምህርቲ ኮሌጅ ዝኸፍልሉ መገድታት ኣብ ምምችቻእ ኽትሕግዝ ትኽእል። ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ተማሃሮ ዝርከብ ዝኾነ ሰብ ንኸተዘራርቡ ድማ ሕተቱ።

እዚ ፕሮግራማት፡ ንፋይናንሳዊ ደገፍ፣ ህያብ (grants)፣ ምስ ስራሕ ዚሳነ ትምህርቲ (work study)፣ ዳግመ-ስልጠና ሰራሕተኛ (Worker Retraining program) ከምኡውን ለቓሕ የጠቓልል። ብመሰረት ዘለኩም ኵነታት ስራሕ ወይ ኵነታት ቤተሰብ፡ ንፍሉይ ዕላማ ዚውሃብ ገንዘባዊ ምወላ ንኽትረኽቡ ድማ ብቑዓት ኽትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም።

Translate our site: